ቢልዬነርን ቀዳማይ ሚኒስተር ነበርን፡ ነጂብ ሚካቲ፡ ድምጺ ባይቶ ብምርካብ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሊባኖስ ከም ዝኾነ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ኣቐድም ኣቢሉ፡ ሳዓድ ኣልሓሪሪ፡ መንግስቲ ከቕውም ብዘይምኽኣሉ፡ ካብ ስልጣኑ ከም ዝወረደ ዝፍለጥ እዩ።
ድሕሪ ምቕንጻል ረፊቕ ኣልሓሪሪ፡ ነጂብ ሚካቲ ኣብ 2005 ኣክቲንግ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ሰሪሑ እዩ። ቅድሚ ወዲ ሓሪሪ፡ ሳዓድ ሓሪሪ፡ ስልጣን ምርካቡ፡ ነዚ ቦታ ንሰለስተ ኣዋርሕ ከም ዝሓዞ ድማ ይፍለጥ። ኣብ 2011 ሚካቲ ደጊሙ ቀዳማይ ሚኒስተር ብምዃን ክሳብ 2013 ከም ዝቐጸለን ክሳብ 2014 ድማ ዘይወግዓዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ምንባሩን ድማ ጸብጻባት የመልክቱ።
ነጂብ ናይ ነዊሕ ዓመታት ተመኲሮ እኳ እንተለዎ፡ ከምቲ ኣብ ፖለቲካ ሊባኖስ ልሙድ ዝኾነ ሓረግ ስልጣን ስለዘይብሉ፡ ኣብዛ ብፖለቲካ ዝተፈላለየት ሃገር፡ መንግስቲ ከቕውም ክሽገር ከም ዝኽእል ተንተንቲ ይገልጹ።