ኣብዚ ወቕቲ ሓጋይ ጥራይ፡ 2500፡ ብዛዕባ ምእላይ ውርጪ ዝምልከት ጥርዓናት ከም ዝቐረቡን በዚ ድማ ነበርቲ ስቶክሆሎም፡ ኣብ ማርሻቤዲን ጽርግያን ዝዂመር ዘሎ ውርጪን ንዕኡ ናይ ምውጋድ ጻዕርታትን ከም ዘይዓገቡሉ ዘመልክት እዩ ክትብል ሬድዮ ሽወደን ሎሚ ሓቢራ። መብዛሕቶም እዞም ጥርዓናት ካብ ከባቢታት ሃገስቲን (Hägersten)፡ ኦሽታ (Årsta) ን ብሮማ (Bromma)ን ዝመጹ እዮም ተባሂሉ’ሎ።
ካልኦት ድማ ማርቻፔዲን መንገዲ ብሽክለታን ብግቡእ ምውጋድ ውርጪ ኣይተገብረሎምን ዝብል ጥርዓን ኣቕሪቦም ኣለዉ። ሸተት ኢልካ ከይትወድቕ ብማእከል ጽርግያ ምሕላፍ ግድነት ኰይኑና ኣሎ ክትብል፡ ኤሊዛቤት ፓልሞ፡ ካብ ሮክስታ (Råcksta) መረረኣ ድሕሪ ምግላጽ፡ እዚ ጉዳይ ብጣዕሚ ዝገርም እዩ ኢላ።
ብኣንጻሩ፡ ኣብ ቭሊንግቢ ዝምቕማጡ፡ ኣቤ መሓመድ፡ እቲ ምጽራግ ብጽቡቕ ይሳለጥ ምህላዉ ይገልጽ።
ኤጀንሲ ሜትሮሎጂ፡ ዝሓለፈ ሓሙስ 20 ሴንቲሜትር ዝሩግዱ ቀጸላ ውርጪ ክኽሰት ምዃኑ ተነብዩ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ድማ ንምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ኣሸጋሪ ኰይኑ ምህላዉ ይግለጽ።