ሓደ ካናዳዊ ዜጋ፡ ኣንጻር ቻይና፡ ስለያዊ ንጥፈታት ፈጺምካ ብዝብል ክሲ፡ መንግስቲ ቻይና፡ ን11 ዓመታት ማእሰርቲ ፈሪድዎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ሚካኤል ስፓቨርን ካናድያዊ ዲፕሎማሰኛ ዝነበረ፡ ሚካኤል ኮቭሪግን፡ ኣብ 2018 እዮም ብፖሊስ ቻይና ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም። መስርሕ ፍርዲ እዞም ካናዳውያን ኣብ ዕጹው ቤት ፍርዲ ክካይድ ምጽንሑን ኣብ ልዕሊ ኮቭሪግ ዝኾነ መርትዖ ከም ዘይተረኽበን ኣህጒራዊ ቊጥዐ ምልዕዓሉን ዝዝከር እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ፡ ጃስቲን ትሩዶ፡ ክልቲኣቶም ዜጋታት ክፍትሑ፡ ንቻይና፡ ጻውዒት ኣቕሪቡ ምንባሩ ይፍለጥ። ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተመስረተ ክሲን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘሕለፍዎ ግዜን ተቐባልነት የብሉን ክብል እውን ኮኒንዎ’ሎ።
ጓሉ ንመስራቲ ኲባንያ ቴክኖሎጂ ቻይና፡ ህዋዌ፡ ዝኾነት ሜንግ ዋንዦ፡ ኣሜሪካ ብዘቕረበቶ ናይ ቀይዲ ትእዛዝ፡ ኣብ ካናዳ፡ ምትሓዛ ዝፍለጥ እዩ። ብድሕሪ’ዚ፡ ቻይናን ካናዳን ኣብ ትሕቲ ከቢድ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ እንከለዋ፡ ማእሰርቲ ናይዞም ካናዳውያን ዜጋታት ዘጋጠመ።
እዚ ይዂንምበር፡ ቻይና፡ ምእሰርቲ ናይዞም ካናዳውያን ምስዚ ጉዳይ ዘተኣሳስር ከም ዘይብሉ እያ ትገልጽ።