ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ትክብ ክልቲአን ሃገራት ብዓይነቱ ናይ መጀመርታ ክበሃል ዝከኣል ናይ መፈራርሂ መልእኽቲ ናብ ሽወደን ምትሕልላፉ ኣብ ትካል ኣህጒራዊ ጒዳያት ሓላፊ ፕሮግራም ኤሽያ Björn Jerdén ገሊጹ።
ዋላኳ ቻይና ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ኣብ ውድባት ሰብኣዊ መሰልን ሽወደንን ኣክቲቪስታቱን ጽንዕ ዝበለ ነቐፌታ ከተውርድ እንተጸንሐት እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ብ ኣምባሳደራ ዝቐረበ ናይ ምፍርራህ መልእኽቲ ግና ብዓይነቱ ፍልይ ዝበለ እዩ ክብል ድማ ገሊጹ።