ምሉእ ብምሉእ እተዓቀበን ክጫጫሕ ሒደት ግዜ ጥራይ ተሪፍዎ ዝነበረ እንቋቚሖ ዳይናሶር፡ ከም እተረኽበ ተመራመርቲ ኣፍሊጦም።
እዚ እንቋቕሖ፡ ኣብ ደቡባዊ ቻይና፡ ኣውራጃ ጋንዡ፡ ዝተረኽበ ኮይኑ ቅድሚ 66 ሚልዮን ዓመታት ዝነበረ ክኸውን ከም ዝኽእል እቶም ተመራመርቲ ወሲኾም ገሊጾም ኣለዉ። ሓደ ካብቶም ስኒ ኣልቦን ቴርፖድ ተባሂሎም ዝጽውዑን ዓሌት ምዃኑ ዝተነግረሉ እንቋቖሖ ዳይናሶር፡ ቤቢ ዪንግሊኣንግ ዝብል ስም ተዋሂብዎ’ሎ።
ኣብ ምልላይ እዚ እንቋቖሖ ይሰርሑ ካብ ዘለዉ ተመራመርቲ ሓደ ዝኾነ፡ ፍዮን ዋይሱም፡ “እዚ ኣብ ታሪኽ ካብ እተረኽቡ ተረፍ ዳይናሶራት እቲ ብምልኣት እተዓቀበ እዩ” ክብል ገሊጹ’ሎ።
እዚ ዳህሳስ፡ ኣብ መንጎ ዳይናሶራትን ኣዕዋፍን ዘሎ ናይ ዓሌት ርክብ ንዝምርምሩ ኣዝዩ ኣገዳሲ ባእታታት ከም ዝርከቦ ተገሊጹ’ሎ። እቲ ዳይናሶር ካብ ቊመና ኣቃምጣኡ ኣትሒዝካ ብዙሕ ናይ ኣዕዋፍ ባህርያት ከም ዘለዎ ተመልኪቱ’ሎ።