ኣብ ቺለ ኣብ ዝተኻተደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ: ጸጋማዊ ሕጹይ ተወዳዳሪ: ገብርኤል ቦሪስ ተዓዊቱ’ሎ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ: ሕሉፍ የማናዊ ሕጹይ: ኣንቶንዮ ካስት: ካብቲ ውድድር ድሕሪ ምንስሓቡ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ናይ ምርጫ ነቚጣታት ተዓጽዮም ፍርቂ ስራሕ ምቚጻር ካርድ ድሕሪ ምውዳኦም ሓደ ሰዓት ጸኒሑ እዩ ካስት ስዕረቱ ክቕበል ተራእዩ። ዝበዝሐ ካርድ ኣብ ዝተቖጽረሉ ድማ 56% ድምጺ ብ ቦሪስ ከም እተዓወተ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርታት ዓመታት: ካብ እተኻየዱ ምርጫታት: እቲ ዝበዝሐ ጫፍ ፍልልያት እተራእየሉ ምዃኑ ዝገለጸ ጸብጻብ ቢቢሲ: ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እተኻየደ ህዝባዊ ናዕቢ ስዒቡ ዝተገብረ ምዃኑ ወሲኹ ኣመልኪቱ።
ክልቲኦም ሕጹያት: ኣዝዩ ዝተፈላለየ ራእይ ልምዓትን ዴሞክራሲን ሃገሮም ሒዞም ዝቐረቡ ኮይኖም ሰልፎም ቅድሚ ሕጂ ኣብ መንግስትነት ተራ ሃልይዎ ከም ዘይፈልጥ ክረጋገጽ ተኻኢሉ’ሎ።
35 ዝዕድሜኡ ቦሪስ: ኣብ ታሪኽ ሃገሩን ኣብ ዓለምናን ካብ ዘለዉ ዝነኣሱ መራሕቲ ሃገራት ከም ዝኸውን ጸብጻባት ይገልጹ።