ትካል ሽወደን ካብ ጽድያ 2020 ዝጅምር 300 ናይ ካልኣይ ዲግሪ( ማስተርስ) ፕሮግራም ንዓለም ለኸ ሰብሞያ ዕላዊ ምግባሩ ተገሊጹ። ምምልካት ካብ 10 ለካቲት ጀሚሩ ክፉት ክኸውን ምዃኑ ድማ ኣመልኪቱ’ሎ። እቲ ትካል ከም ዘፍለጦ ኣብዚ ዕድል ከምኒ ምስሪ፥ ዮርዳኖስ፥ ሞሮኮ፥ ሱዳንን ቱኒዝያን ዝበላ ሃገራት ኣዕራብን ካልኦት ከምኒ ባንግላዴሽ፥ ኢትዮጵያ፥ ሽሪላንካ፥ ቬትናምን ዝበላ ሃገራት ኣፍሪቃን እስያን ክኣትዋ እየን።
እዚ ዕድላት ናይ መንበሪ፡ መጓዓዚን ናይ ኢንሹራንስ ወጻኢታትን ክሽፍን እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ዕድል ኣካል ናይቲ ውጥን ዓለምለኸ መንግስታዊ ሽላማት ሽወደን ኮይኑ መራሕቲ ናይ ጽባሕ ኣብ ምፍጣር ናይ 2030 ኣጀንዳ ቀጻሊ ልምዓትን ምርግጋጽ ዕላማ ዝገበረ እዩ። እዚ ዕድል ብሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ዝምወል ኰይኑ ብትካል ሽወደን ዝመሓደር እዩ።