ፕረዚደንት ፈረንሳ[ይ] ኢማኑኤል ማክሮን፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ኣግራብ ኣማዞን ዝበጽሕ ዘሎ ባርዕ ሓዊ፡ ‘ኩነኔ-ዓለም’ ኢሉዎ። ኣብ ኣኼባ ብጂ-7 ዝፍለጣ ምዕቡላት ሃገራት ዓብይ መዘራረባ ዛዕባ ክኸውን ከምዘለዎ ድማ ተዛሪቡ።
ማክሮን ኣብ ትዊተሩ፡ “ገዛና ባርዕ ኣትዩዎ’ሎ” ኢሉ።
ፕረዚደንት ብራዚል ቦልሶናሮ ብወገኑ “ነቲ ጉዳይ ፖለቲካዊ መልክዕ ከትሕዝዎ ይፍትኑ ኣለዉ” ክብል ንፕረዚደንት ማክሮን ገሲጹዎ።
ቦልሶናሮ፡ ብራዚል ኣብ ዘይትሳተፈሉ ጂ-7 ኣኼባ፡ ባርዕ ኣማዞን ዛዕባ ንምግባር ምፍታን፡ ሕዚ’ውን ምዕራባውያን ካብ አተሓሳስባ ባዕዳዊ መግዛእቲ ከምዘይተላቐቑ ዘመላኽት እዩ ኢሉ ።
ሓደ ናይ ህዋ ሳተላይት ዝረኸቦ መረዳእታ ከምዘመላኽቶ፡ ኣብ ብራዚል እቲ ባርዕ ብ85 ሚኢታዊት እናወሰኸ እዩ ዝሓድር ዘሎ።
እቲ ዝለዓለ ብጽሒት ዝሕዝ ድማ ባርዕ ኣማዞን ምዃኑ እዩ ዝንገር።
ተቓወምቲ ውድባት ብራዚል፡ ንፕረዚደንት ቦልሶራኖ ሓረስቶትን ስራሕ-ኣልቦ ዝኾኑ መናእሰይን ኣግራብ ክቖርጹ ኣበረታቲዖሞም ብምባል በቲ ዝተላዕለ ሓደጋ ባርዕ ተሓታቲ ይገብሩዎ።
ቦልሳናሮ ግን ነቲ ባርዕ ዝወልዑ ትካላት ገበርቲ ሰናይ እዮም ኢሎም። መረዳእታ ግን ከቕርቡ ኣይከኣሉን።
ብዙሓት ‘ሳምቡእ ዓለምና’ እዩ ኢሎም ዝዛረቡሉ ኣግራብ ኣማዞን፡ ንመጠን ዓለማዊ ዋዒ ብመጠኑ ከዝሕል ይኽእል እዩ ተባሂሉ ተስፋ ይግብረሉ።
በቲ ባርዕ ክንደይ ዝኣክል መጠን ሓደጋ ከምዘጋጠመ ግን ክፍለጥ ኣይተኽኣለን።
እንተኾነ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ካብ ዘጓነፉ ሓደጋታት ባርዕ ሓዊ፡ እዚ ናይ ሕዚ እቲ ዝኸፍአ እዩ ተባሂሉ።
ገለ መረዳእታታት ከምዘርእዩዎ፡ ናይዚ ሓያሎ ባርዕ ትኪ ክሳብ ጫፍ ኣትላንቲክ ከምዝበጽሐ ይዝረብ።
“ናይ ምድርና ፍልፍል/ምንጪ 20 ሚኢታዊ ኦክስጅን ዝኾነ ባርዕ ኣማዞን ከም ዛዕባ እንተዘየልዒልና ደኣ’ሞ ንምንታይ ተኣኪብና ክንብል” ከኣ ይብል ፕረዚደንት ማክሮን።
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ዓለም ጉቴረስ ብወገኖም፤ እቲ ተጓንፎ ‘ምሒር ዘተሓሳስብ እዩ’ ኢሎም።
ምንጪ: bbc tigrina