ትሽዓተ ኣባላት ኤምባሲ ሩስያ ካብ ፊንላንድ ናብ ዓዶም ክባረሩ እዮም ተባሂሉ። ፕረሲደንት እታ ሃገር ሳውሊ ኒኒስትሮ፡
ከምኡ’ውን ኮሚተ ሚንስተራት ፖሊሲታት ወጻኢን ድሕነትን እታ ሃገር፥ ብሰሉስ ድሕሪ ዝበጽሕዎ ውሳነ እዩ እዚ ምስጓጒ
ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ክፍጸም ምዃኑ ተገሊጹ ዘሎ። እዞም ሰራሕተኛታት ንውዕል ቪዬና ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ብቐጻሊ ክጥሕሱ
ብምጽንሖም ክስጐጒ ከም እተወሰነ መንግስቲ ፊንላንድ፥ ትማል ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።
እዚ ምስጓጒ ኣብ ቀረባ እዋን ክፍጸም ምዃኑ፥ ኣብ ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ፊንላንድ፡ “ዳይረክተር ክፍሊ ሩስያ፥ ማእከላይን
ምብራቕን ኣውሮጳን” ማርያ ሊያላ ን “ሄልሲንኪ ታይምስ” ገሊጻ’ላ። እንተኾነ ግና፥ ብዛዕባ ልክዕ ግዜን ካልእን ዝርዝራት ካብ
ምሃብ ተቘጢባ’ላ። እዚ ናይ ስምጓጒ ውሳነ፥ ብመሰረት ኣገልግሎት ድሕነት እታ ሃገር–ሱፖ–ዝኣከቦ ሓበሬታ እተበጽሐ
መደምደምታ ብምዃኑ፥ ብዛዕብ ተግባር እዞም ሰራሕተኛታት ተወሳኺ መብርሂ ክትህብ ከም ዘይትደሊ ሊያላ ገሊጻ’ላ። ኣብ
ሄልሲንኪ ዝርከብ ኤምባሲ ሩስያ 112 ስታፍ ኣለውዎ።
ብዘይካዚ “ሱፖ”፥ ብዛዕባዚ ምስጓጒ መረጋገጺ ሂቡ’ሎ። “ኣገልግሎት ስለያ ሩስያ ኣብ ፊንላንድ ብ ሱፖ ዓብዪ ፍሽለት ከም
ዘጋጠሞ እዚ ዓብዪ ምስክር እዩ” ክብል፥ ኣፈኛ እቲ ትካል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ’ሎ። እዞም ትሽዓተ ሰራሕተኛታት ከም
ዲፕሎማሰኛታት ተመሲሎም ስለያዊ ስርሓት ከካይዱ ዝጸንሑ እዮም ክብል ምክትል ዳይረክተር “ሱፖ” ቲሙ ቱርነን ክሲ
ኣልዒሉ’ል። ሩስያ ካብ ፊንላንድ ስለያዊ ንጥፈት ምክያድ ክትገብር ምጽንሓ፥ ሕጂ ድማ ፊንላንድ ኣባል ኔቶ ድሕሪ ምዃና ነዚ
ኣበርቲዓ ክትቅጽለሉ እያ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ፥ ቱርነን ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።