ህዝቢ ብዛዕባ ርትዓዊ ዋጋን ረብሓታትን ብኤለትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ፥ ትጽቢት ካብ እተገብረሉ ንላዕሊ ግንዛበ ይረክብ
ምህላዉ ኤጀንሲ መጓዓዝያን መራኸቢታትን ፊንላንድ–“ትራፊኮም”–ገሊጹ። እቲ ኤጀንሲ ብ ሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻቡ፥
መካይን ፊንላንድ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ዓመት 14,000 ኪሎሚተር ከም ዝጓዓዛን፡ ድምር ወጻኢታት ተሽከርከርቲ
ኤለትሪክ ካብተን ካልኦት ዝትሕት ምዃኑን ገሊጹ’ሎ።
ኣብ ዓመት 30,000 ኪሎሚትር ጒዕዞ ክገብር ዝደሊ ሰብ፥ ብፍላይ ኣብተን ቀዳሞት ሓሙሽተ ዓመታት ብ ኤለትሪክ ዝዓያ
ተሽከርከርቲ ካብተን ካልኦት ብዝያዳ ከርብሓኦ ክኽእላ እየን። ብዛዕባ እዘን መካይን፥ ልዕሊ ዝኾነ ብፍጥነት ግንዛበ ረኺቡ ዘሎ
ኣብ ጒዳይ ክሊማ ዘለወን ረብሓታት እዩ።
እዘን መካይን ምስ ብ ነዳዲ ዝንቀሳቐሳ መካይን እንክወዳደራ፥ ኣብ ኣከባቢ ዘብጽሕኦ ዝኾነ ጒድኣት ከም ዘየለ “ትራፊኮም”
ኣስሚሩሉ’ሎ።