ፕረሲደንት ኣመሪካ ነበር: ዶናልድ ትራምፕ: ንጋዜጣ New York Times ንጓል ሓዉ ዝኾነት ጸሓፊትን ተመራማሪት ስነኣእምሮ: ሜሪ ትራምፕ: ናይ 850 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክኽፈሎ ክሲ ምቕራቡ ተፈሊጡ።
ኣብዚ ኣብ ዳቸስ ካውንቲ ኒውዮርክ እተኸፍተ ክሲ: ዶናልድ ትራምፕ: ኣብ ልዕሊኡ ውዲታት ቀረጽ ከም እተፈጸመ ምግላጹ AFP ጸብጺቡ’ሎ።
ኣብ 2019 ጋዜጣ New York Times ብዛዕባ ቢዝነሳት ስድራቤት ትራምፕ ሓደ መርመራዊ ጸብጻብ ምግባሩን በዚ ድማ ሞያዊ ሽልማት ረኺቡ ምንባሩን ዝፍለጥ እዩ። ዝሓለፈ ዓመት ወይዘሮ ትራምፕ ነታ: ቱ ማች ኤንድ ነቨር ኤናፍ: ሃው ማይ ፋሚሊ ክሪኤትስ ዘ ሞስት ዳንጅሮስ ማን ኢን ዘ ዎርልድ (Too Much and Never Enough: How My Family Created The Most Dangerous Man in the World) ኣብ እትብል ዘሕተመታ መጽሓፍ ነታ መጽሔት ሓበሬታ ዝሃበት ንሳ ምዃና ገሊጻ’ላ።
ኣኽባር ሕጊ ምምሕዳር ኒውዮርክ ንቢዝነሳት ትራምፕ ብምጥፍፋእ ቀረጽን መድሕንን ከሲስወን ምህላዉ ዝፍለጥ እዩ።