ፕረዚደንት ኣሜሪካ፡ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ንስቲቭ ሊኒክ ምብራሩ ይዝከር።
ንስቲቭ ሊኒክ ተኪኡ ክሰርሕ ዝጸንሐ፡ ስቴፈን ኣካርድ፡ ብወገኑ ነቲ መዝነት ክገድፎ ብምምራጽ ብፍቓዱ ካብ ስራሕ ከምተሰናበተን ከም መተካእትኡ ድማ ዲያና ሸው ኣብ ቦታ መዝነት ክትመጽእ ምዃና ወሃብ ቃል’ቲ ትካል ሓቢሩ።
ምስ ምክትል ፕረዚደንት ኣሜሪካ፡ ማይክ ፐንስ፡ ጥቡቕ ዝምድና ከምዘለዎ ዝንገረሉ ኣካርድ፡ ናብ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ፡ ማይክ ፖምፔዩ፡ ዝቐነዐ፡ ዘይሕጋዊ ስልጣን ምጥቃም፡ ዝብል ጠቐነ ንኽምርምር ተመዚዙ ምንባሩ ጸብጻባት ሓቢሮም። ማይክ ፖምፔዩ ዝወሰዶ ኣዛራቢ ውሳነ፡ ንኣባላት ኮንግረስ ኣሰኒፉ፡ ናብ ሱዕድያ ትርከበን ዝተፈላለያ ሃገራት ብሚልዮናት ዶላራት ዝትመን ኣጽዋር ብምሻጡ፡ ኣብ ዝተኻየደ መርመራ፡ ኣካርድ፡ ተሳቲፉ ምንባሩ ውን ይዝከር።
ኣንጻር ፖምፔዮ ንዝካየድ መርመራ ዝጀመረ፡ እቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ሓላፉ፡ ሊኒክ፡ ምንባሩ ይዝከር። መርመራ እናተኻየደ እንከሎ፡ ሊኒክ ካብ መዝነቱ ብምብራሩ ካብ ብዙሓት ወገናት ተቓውሞ ቀሪቡ ኔሩ፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ዓቢ ቑጠዐ ብምስዓቡ፡ ነቲ ፍጻሜ “ዘይሕጋዊ መስርሕ ሕነ ምፍዳይ” ክብል ሰምይዎ ነይሩ። ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ንምብራር ሊኒክ ኣመልኪቱ፡ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊኡ ዝነበረኒ ምሉእ እምነት ብምጉዳሉ እዩ ክብል ኣመኽንዩ።