ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር፡ ዶናልድ ትራንፕ፡ ነቲ ፕረዚደንት ናይጀርያ፡ ማማዱ ቡሃሪ፡ ኣብ ልዕሊ ትዊተር ዝወሰዶ ስጒምቲ ንኢዱ።
ንባዕላቶም እከይ ተግባራት እናሃለዎም፡ ፈረድቲ ጽቡቕን እከይን ዝገብሮም መን እዩ? ክብል ትራምፕ ገሊጹ። ንሱ፡ ካልኦት ሃገራት እውን ኣሰር ቡሃሪ ብምስዓብ ንትዊተርን ፌስቡክን ክዓጽዋ ጻውዒት ጌሩ። ትራምፕ ንባዕሉ ድሕሪ’ቲ ኣብ US Capitol ዘጋጠመ ዕግርግር፡ ካብ ፌይስቡክን ትዊተርን ከም እተኣገደ ዝፍለጥ እዩ። ትራምፕ፡ ቅድምን ድሕሪን እቲ ፍጻመ ዕግርግር ዝቕስቅስ ጽሑፋት ይሰድድ ምንባሩ ብምዝብል ክሲ ክልቲኣተን መርበባት ማሕበራዊ ሜድያ፡ ካብ ኣባልነት ከም ዝገለፋኦ እየን ዝሕብራ።