ናይ ቀደም ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር፡ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንዕለት 7 ጥሪ፡ ብጉዳይ ብልሽውና ናይ ኮርፖረሽን ትራምፕ ኦርጋናይዘሽን ኣብ ዝግበር ዘሎ መርመራ፡ መብርሂ ክህበሉ ብላዕለዋይቲ ሓላፊ ክፍሊ ፍትሒ ኒውዮርክ፡ ለቲሽያ ጄምስ፡ ጻውዒት ቀሪብሉ ከምዘሎ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020፡ ሓደ ካብ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ናይቲ ኮርፖረሽን ዝሰርሕ፡ ወዲ ትራምፕ ዝኾነ ኤሪክ ትራምፕ፡ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት መጺኡ ቃሉ ሂቡ አምዝነበር ይዝከር።
እዚ ኮርፖረሽን፡ ብዝተፈላለዩ ገበናት ዝኽሰስ እዩ። ዶናልድ ትራምፕ፡ ዝግበኦ ግብሪ ንኸይከፍል፡ ዘይቅኑዕ ዋጋታት ንብረት ብምቕራብ፡ እዩ መብርሂ ንኽህብ ዝቐርብ ዘሎ።