ትማል ቀትሪ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ኣድማ ሰራሕተኛታት ባቡር ሽወደን ተሰሪዙ። ማሕበራትን ኣስራሕቲን ኣብ ጒዳይ ኣከባቢ፥
ስራሕን ካልእን ክሰማምዑ ተሸጊሮም እኳ እንተነበሩ፥ ኣማስይኡ ን ለውጢ ዝርዝር ስራሕ ሓዊስካ፥ ብርክት ዝበሉ ሽግራት
ንምፍታሕ ሓድሽ ውዕል ብምኽታሞም እዩ፥ እዚ ኣድማ ከም ዝስረዝ ተጌሩ ዘሎ። ብመሰረት እዚ ውዕል ሰራሕተኛታት
ብዘይስራሕ ናይ ዝጸንሑለን ሰዓታት ካሕሳ ክኽፈሉ እዮም። በዚ ድማ ኣብቲ ን ሽወደንን ደንማርክን ዘራኽብ ድልድል ኡርሱንድ፥
ከምኡ’ውን ኣብ መመላለሲ ባቡር ስቶክሆልም ዘጠቓልል መርበብ ባቡር ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ኣድማ በዚ ከብቅዕ
ተጌሩ’ሎ።.
እዚ ውዕል ንኽልተ ዓመታት ዝጸንሕ ኮይኑ፡ ሰራሕተኛታት ናይ 7.5% ወሰኽ ደሞዝ ክግብረሎም እዩ ተባሂሉ’ሎ።