ብምኽንያት እቲ ን ክልተ ሳምንታት ዝቐጸለን ብሰሉስ ደው ዝበለን ኣድማ ፓይለታት መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ፡ ትማል ረቡዕ ካብን ናብን ኖርወይ ዝግበሩ 70 በረራታ ምስራዞም ተገሊጹ።
ኣስታት 900 ፓይለታት መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ፡ ካብ ሓምለ 4 ክሳብ ሰሉስ 19 ሓምለ ብሰንኪ ዘካየድዎ ኣድማ፡ ካብን ናብን ኖርወይ ዝግበሩ 2,497 በረራታት ከም እተሰረዙ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሕጂ እቲ ኣድማ ደው ኢሉሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን እውን እንተኾነ፡ ትራፊክ ናብ ንቡር ክሳብ ዝምለስ ግዜ ከም ዝሓትት እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ካብዞም ዝተሰረዙ 70 በረራታት እቶም 50 ናይ ውሽጢ ሃገር፡ 18 ኣብ ውሽጢ ሸንገን ዝግበሩ ኣህጒራውያን በረራታት እቶም ዝተረፉ 2 ኸኣ ካብ ሸንገን ወጻኢ ዝግበሩ ኣህጒራውያን በረራታት ምዃኖም ኖርወይ ቱደይ ጸብጺባ’ላ። ሎሚ ተሰሪዞም ዝበሃሉ ዘለዉ በረራታት
ኦስሎ 25፡ በርገን 7፡ ስታቫንገር 6፡ ቦዱ 5፡ ትሮምሶ 5፡ ትሮንዳይም 4፡ ኣልታ 2፡ ናርቪክ 2፡ ኣለሱንድ 1፡ ባርዱፎስ 1 እዮም።