ምክትል ፕረሲደንት፡ ርእሰ ምምሕዳር ዛንዚባር ታንዛንያ፡ ሰይፍ ሸሪፍ ሓማድ፡ ብቫይረስ ኮሮና ድሕሪ ምልካፉ ድሕሪ ሰለስተ ሳምንታት ምሟቱ ተገሊጹ። ንሱ በቲ ሕማም ተለኺፉ ምጽንሑ ሰልፉ ገሊጾም ምንባሮም ዝዝከር እዩ። እዚ ብህዝቢ፡ ማዓሊም ሰይፍ፡ ተባሂሉ ዝጽዋዕ 77 ዝዕድሜኡ፡ ሰይፍ ሓማድ፡ ዝሞተሉ ምኽንያት ብወግዒ ኣይተገልጸን። ንሱ እቲ ቫይረስ ከም ዝሓዞ ብዕሊ ዝኣወጀ ኣዝዩ ህቡብ ፖለቲከኛ ዛንዚባር እዩ ኔሩ። ሰብ መዚ እታ ሃገር ነቲ ኮቪድ-19 ዘስዕቦ ሓደጋ ሸልል ብምባሎም ብክኢላታት ጥዕና እታ ሃገር ተነቒፎም ኣለዉ። ፕረሲደንት ታንዛንያ ጆን ማጉፉሊ ን ኮቪድ-19 ዝምጥን ንጡፍን ግብራውን ስጉምቲ ኣብ ክንዲ ዝወስድ ጸሎትን ባህላዊ መድሃኒትን ክዝውተር ምምሕጻኑ እቶም ሰብ ሞያ ጥዕና ብትሪ ምንቃፎም ቢቢሲ ሓቢራ’ላ። ሓማድ፡ ገዲም ኣባል ተቓዋሚ ሰልፊ ACT ዋዚለንዶ ኮይኑ ነቲ መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ለበዳ ኮቪድ-19 ዝኽተሎ ፖሊሲ ብትሪ ክዂንን ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። ሓማድ፡ ሓያል መዳሪን በዓል ግርማን ብምንባሩ ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ከም ሓያል ሕጹይ ዝረአ ምንባሩ ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ። ካብ ምምህርና ናብ ፖለቲካ ዝኣተወ ሓማድ፡ ብዙሓት ድኻታትን ሃብታማትን ደገፍቲ ከም ዝነበርዎን ኣብ ዝኸዶ ቦታ እንተኣከቡ “ምሳኻ ኢና” ዝብል ጭርሖ ከስምዕዎ ምርኣይ ልሙድ ምንባሩን ጋዜጠኛ ቢቢሲ፡ ኣቡበከር ፋማው፡ ጸብጺቡ።