ብደረጃ ኤውሮፓ ዝወጸ ለበዋ፡ ማስክ ምኽዳን፡ ኣመልኪቱ ቲግኒል፡ ኣብ እዋን ጉዕዞ ባቡር ማስክ ምኽዳን ኣገዳስነቱ ትሑት እዩ ክብል ከምዝሓበረ ተፈሊጡ።
ማስክ ምኽዳን ካብ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ክከላኸል ይኽእል እዩ ዝብል ተሪር ጭብጢ ኣይተረኽበን ዘሎ። ንእዋናዊ ምዕባሌታት ድማ ብቐረባ ንከታተሎም ኣለና። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ቫይረስ ንምግታእ፡ ተሳፈርቲ፡ መምርሒታት ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ከተግብሩ ከምዝግባእ ቲግኒል ገሊጹ ክብል ማዕከን ሓበሬታ TT ሓቢሩ።
ኣብ ሽወደን፡ ማስክ ምኽዳን ግዴታ ኣይኮነን። ሓደ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፈ ሰብ፡ ማስክ ስለ ዝተኸድነ ናብ ባቡር ክስቀል ዘኽእሎ ኣይኮነን። ስለዚ ካብ ማስክ ምኽዳን፡ መምርሒታት ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ምትግባር ዝበለጸ ኣማራጺ እዩ ክብል ቲግኒል ዘረብኡ ዛዚሙ።