ኣብ ሽወደን፡ ቁጽሪ ናይቶም ብሕማም ኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት ብመጠኑ ከምዝጎደለ ኣማኻሪ ጉዳያት ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣንዲሽ ቲግኒል፡ ሓቢሩ። ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ብዙሓት ሰባት ምሟቶም ዘተሓሳስብ ጉዳይ ምዃኑን እቲ ብዝሒ ከም ኣሃዝ ተቖጺሩ ክስገር ከምዘይግባእ ብምጥቓስ ንምዕባለታት ወድዓዊ ኩነታት ቅልውላው ቫይረስ ክንርደኦ ከምዘሎና ኣዘኻኺሩ። ኣብ ሽወደን፡ መጠን ዝርገሐ ለበዳ ቫይረስ ለውጢ ብዘይብሉ መንገዲ ይቕጽል ኣሎ።
ይኹን እምበር ኣብ ገለ ከም በዓል ኖርቦትን ዝኣመሰሉ ከባቢታት ግን እቲ ለበዳ ብትሑት ደረጃ ይቕጽል ምህላዉ ምልክታት ይሕብሩ። ኣብ መላእ ሽወደን፡ ኣብ ዝርከባ ኣሃዱታት ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝረአ ዘሎ ኩነታት ዘሰክፍ እኳ እንተኾነ ኣብ ስቶክሆልም ዝርከባ ኣሃዱታት ብተዛማዲ ምምሕያሻት ኣርእየን ክብል ቲግኒል ኣብቲ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢሩ። ትካል ጥዕና ሽወደን ሎሚ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ርጉጽ ብዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት 19621 በጹሑ ምህላዉ፡ ብዝሒ ናይቶም ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝግበረሎም ዘሎ ሕሙማት ድማ 1388 በጺሑ ምህላዉን ብዝሒ ናይቶም ብሕማም ኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት ድማ 2355 በጺሑ ኣሎ።
ኣብ ኣሃዱታት ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ኣስታት 1085 ነጻ ቦታታት ኣለና። እዞም ነጻ ቦታታት፡ ምስቶም ካብ መላእ ሽወደን ዝቐርቡ ጠለባት፡ ምዕሩይ ናይ ምምቕራሕ መስርሕ ክግበር ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ሽወደን ሓላፊት ጨንፈር ቅልውላው ዝኾነት ዮሃን ሳንድዋል ገሊጻ።