ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጠይብ ዔርዶጋን፥ ሽወደን ናብ ኔቶ ክትጽንበር ቀጠልያ መብራህቲ ምሃቡ ኣብ ፖለቲካውያን ውድባት ሽወደን
ዝተሓዋወሰ ስምዒት ፈጢሩ’ሎ። ቀዳመይቲ ሚኒስትር ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ምስ ቱርኪ ልዝብ ዝጀመረት መራሒት ሰልፊ
ማሕበራዊ ዴሞክራት ማግዳሌና ኣንደርሾን በቲ ውሳነ ሕጉስቲ ምዃና ገሊጻ’ላ። ዔርዶጋን ቀይሕ መብራህቲ ሂቡ ማለት ሽወደን
ብቕጽበት ናብቲ ኪዳን ክትጽንበር እያ ማለት ኣይኮነን ክብሉ ሓያሎ ክኢላታት ርእይቶኦም ይህቡ’ለዉ። ባይቶታት ሃንጋርን ቱርክን
ገና ነቲ መመልከቲ ሽወደን ኣየጽደቕዎን። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ን ኣባልንት ሽወደን ናብ ኔቶ ዝቃወሙ ከምኒ ኬርስቲን
በርገዮ ዝበሉ ኣባላት “ማሕበር ሰላምን ዕርቅን”፥ ሽወደን ናብ ኔቶ ሕቶ ኣባልነት ቅድሚ ምእታዋ ነቲ ጒዳይ ኣዳቒቓ
ኣይሓሰበትሉን ክብሉ ተቓውሞኦም ኣቕሪቦም ኣለዉ።