ደርዘናት ስደተኛታት ናብ ግሪኽ ከይሓልፉ ቱርኪ ዓጊታ ሒዛ ተባሂሉ። ሰብመዚ ቱርኪ ኣብ ምዕራብ እታ ሃገር ብደርዘናት ዝቚጸሩ ስደተኛታት ናብ ግሪኽ እናሰገሩ ዓጊቶም ምሓዞም ገሊጾም። ብመሰረት እዚ ሓበሬታ እቶም ስደተኛታት ዜጋታት ኣፍጋኒስታን ሱዳንን ዒራቕን እዮም። ብዘይካዚ እዞም ሰብመዚ፡ምስ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰብ ብዝተተሓሓዘ 8 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ገሊጾም ኣለዉ። ቱርኪ ኣብ 2016 ምስ ኣውሮጳዊ ሕብረት ብመሰረት ዝኣተወቶ ስምምዕ ኣብ ዶባታ ጽኑዕ ክትትል ስደተኛታት ከም እተካይድ ይፍለጥ።
ከንቲባ ኣምስተርዳም ኣብ ማእከል እታ ከተማ ንዝርከብ ሰፈር ኣመናዝር ክዓጽዎ መደብ ከም ዘለዎ ኣፍሊጢ። እዚ ሕጊ ኣመናዝር ኣብ ቬትሮ ከይረኣያ ዝኽልክል ክኸውን ይኽእል እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ኣካል ናይቲ ክብሪ ሰብ ምሕላውን ምክልኻል ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰብ እዩ ክብል እቲ ጸብጻብ የመልክት። እዚ ይኹንምበር ኣመንዝራነት ብሕጊ ንምኽልካል ከም ዘይኮነ እታ ከንቲባ ኣብሪሃ’ላ።