Trudeau on the truck attack: “Terror attack”
ኣብ ሎንዶን፡ ካናዳ ኦንታርዮ፡ ብሰኑይ ምሸት ኣብ ልዕሊ ሓንቲ እስላማዊት ስድራቤት ዝተፈጸመ ናይ ዓባይ መኪና መጥቃዕቲ፡ ኣርባዕተ ካብ ኣባላት እታ ስድራቤት ምሟቶም ሓደ ድማ ብኸቢድ ተሃሪሙ ኣብ ሆስፒታል ይእለ ከምዘሎ፡ ፖሊስ፡ ድሕሪ ምሕባሩ እቲ ፍጻሜ ናይ ጽልኢ ፍጻሜ ምዃኑ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር፡ ጃስቲን ቱሩዶ፡ ነቲ ፍጻሜ፡ ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመን ብጽልኢ ዝተበገሰ፡ ንማሕበረ ሰብ ካናዳ ልቡ ዘድመየን ግብረ ሽበርዊ መጥቃዕቲ እዩ ብምባል ኣብ ባይቶ እታ ሃገር ገሊጹ።
ወዲ 20 ዓመት ዝኾነ መራሒ’ታ ዓባይ መኪና፡ ካብ ቦታ ፍጻሜ 7 ኪሎ ሜትር ሪሒቑ ኣብ ዝርከብ ማእከል ንግዲ፡ ፖሊስ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተዎ ገሊጹ። ካብቲ ኣብ ውልቃዊ ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢታት ናይቲ መንእሰይን ዝገብሮ ዝነበረ ንጥፈታት ተበጊሱ፡ ፖሊስ፡ እቲ ፍጻሜ፡ ግብረ ሽበራዊ ክኸውን ከምዝኽእል ገምጋሙ ኣቕሪቡ ኣሎ።
ከንቲባ እታ ከተማ፡ ኤድ ሆልደር፡ ከምዝገለጾ፡ እቶም ግዳያት ዝኾኑ ሰለስተ ወለዶ ኣባላት ናይታ ስድራቤት፡ ጓል 74 ዓመት ሰበይቲ፡ ወዲ 46 ዓመት ሰብኣይ፡ ጓል 44 ዓመት ሰበይትን ጓል 15 መንእሰይን ምንባሮምን፡ ሓደ ወዲ 9 ዓመት ህጻን ድማ ኣብ ሕማቕ ኩነታት፡ ኣብ ሆስፒታል ይእለ ከምዘሎ ሓቢሩ።
እዚ ብኽትገልጾ ዘሸግር ጽልኢ ዝተበገሰ ግብረሽበራዊ ፍጻሜ፡ ኣንጻር ኣመንቲ ሃይማኖት እስልምና፡ ኣንጻር ተቐማጦ ሎንዶን እዩ ክብል፡ ሆልደር፡ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ገሊጽዎ።