ኣብዚ ሰባት ብብዝሒ ጸሓይ ዝጽለዉሉ ዘለዉ ወቕቲ፡ ካብ መንሽሮ ቆርበት ክጥንቀቑ ክኢላታት ኣተሓሳሲቦም። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ስልግረንስካ ፕሮፌሰር ሕክምና ቈርበት ኦሌ ላርኮ ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ መጠንቀቓታ መልእኽቲ፡ ተጸለውቲ ጸሓይ ቆብዕ፡ ካብ ጸሓይ ዝከላኸል ክዳውንቲን መነጽርን ከይፈልዩ ተላብዩ’ሎ። ኣካላቶም ብክዳውንቲ ክከላኸሉ ዝጽገሙ እንተኾይኖም ፋክተር ፊፍቲ ወይ ልዕሊኡ ዝኾነ ሳንስክሪን ክጥቀሙ ይኽእሉ እዮም፡ ክብል ላርኮ ለበዋኡ ኣመሓላሊፉ’ሎ።
ኣብ ሽወደን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣስታት 60,000 ሰባት ሕምም መንሽሮ ቆርበት ከም ዝሓሙን ካብዚኣቶም እቶም 500 ከም ዝሞቱን ጸብጻባት የመልክቱ።.