ሸውዓተ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ጒጅለ ዕልዋ ምጽናት (Extinction Rebellion) ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ኣካዪዶም። እቶም ሰልፈኛታት ገጾም ጻዕዳ ግዛዕ ተለኽዮምን ቀይሕ ባድላ ወድዮምን ብሰንበት ኣብ ቤተክርስትያን ኬይን ዝግበር ዝነበረ ኣገልግሎት ክቋረጽ ምግባሮም ኖርወይ ቱደይ ጸብጺባ።
እቶም ኣድመኛታት ኣብ ኣጋ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ስኬን ነቲ ኣገልግሎት በዓል ክቋረጽ ምግባሮም ፖሊስ ኣፍሊጦም ኣለዉ። ፖሊስ ብፍጥነት ናብቲ ቦታ ምምጽኦምን እቲ በዓል ብዘይጸገም ክቕጽል ምግባሮም እውን ወሲኾም ገሊጾም። “እዞም ካብ ጒጅለ Extinction Rebellion ዝኾኑ ኣድመኛታት ነቲ ኣድማኦም ድሕሪ ምክያዶም ትእዛዝ ፖሊስ ክሰምዑ ምዃኖም ምሳና ተረዳዲኦም” ክትብል መራሒት ዕማም ካሚላ ኣርዳል ገሊጻ። “ንምንታይ ኣብ ቤተክርስትያን ከምዚ ዝበለ ሰልፊ ክገብሩ ምድላዮም ኣይተረዳኣናን። ብኸመይ ክቕጽዑ ከም ዝኽእሉ እውን ርግጸኛታት ኣይኮንናን” ክትብል ኣርዳል ወሲኻ ገሊጻ’ላ።.