ዞባታት ሽወደን ኣብ ዓመተ 2022 ን ተጓዓዝቲ ነርስታት 3.4 ቢልዮን ክሮና ምኽፋለን ተፈሊጡ። እዚ ምስ ዓመተ 2021
ዝነበረ እንክወዳደር ብ ሓደ ቢልዮን ክሮና ምውሳኹ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ዘካየዶ ዳህሳስ ኣመልኪቱ።
ዞባ ሶርምላንድ ነዚ ብምዋዋም ክሳብ ሕጂ 80 ነርስታት ቆጺራ’ላ።
ኣብ እዋን ምሳሕ ወይ ካልእ ዘይምቹእ ሰዓታት ንዝሰርሑ ነርስታት ተወሳኺ ረብሓታት ከም ዝረኽቡ ብምግባር መተባብዒ
ይወሃብ ምህላዉ እቲ ዳህሳስ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።