ተዓዋቲት ሽልማት ኖቤል፡ ማላላ ዩሱፍዛይ፡ ምስ መጻምዳ ብእስላማዊ ስርዓተ መውስቦ ኣብ በርሞንግሃም ቃል ኪዳን ምእሳራ ተፈሊጡ።
ጓል 24 ዓመት፡ ማላላ፡ ንሳን ማሊክን ኣብ ዝፈጸምዎ ሕጸ ኣመልኪታ “እዚኣ ኣብ ህይወተይ እታ ዝበለጸት መዓልቲ እያ” ኢላ’ላ። ፓኪስታናዊት ተጣባቒት መስል ደቀንስትዮ ዝኾነት፡ ማላላ፡ ኣብ 2012 ጓል 15 ዓመት እናሃለወት ብጣሊባን ኣብ ርእሳ ማህረምቲ ከም ዝወረዳን በዚ ድማ ኣብ ስደት፡ ዌስት ሚድላንድስ፡ ዕቚባ ምርካባን ዝፍለጥ እዩ። ኣነን ኣሰርን ናይ ህይወት መጻምዲ ክንከውን ቃልኪዳን ኣሲርና ኣለና ብምባል ብሰሉስ ኣብ ዘስፈረቶ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ዝገለጸት ማላላ፡ ብሓባር ኣብ ህይወት ክንጓዓዝ ምውሳንና ኣዝዩ ኣሐጒስና ኣሎ” ዝብል ተወሳኺ መልእኽታ ኣመሓላሊፋ’ላ።
ማላላ ብዛዕባ መርዓ ዝነበራ ኣተሓሳስባ ካብዚ ሕጂ ዘለዎ ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ ኔሩ። ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ምስ መጽሔት Vogue ኣብ ዝገብረቶ ዕላል “ሰባት ስለምንታይ ይምርዓዉ ግር እዩ ዝብለኒ” ኢላ ከም ዝተዛረበት ጸብጻብ ቢቢሲ ዘኪሩ። “እንድሕሪ መጻምዲ ህይወት ደሊኻ ናይ መርዓ ወረቐት ንምንታይ የድልየካ፥ ስቕ ኢልካ ብሓባር ዘይትነብር?” ዝብል ሓሳባት እዩ ኔርዋ። ኣደይ ግና ከምኡ ኣይበሃልን እዩ ዛጓለይ! መርዓ ጽቡቕ እዩ፥ ክትምርዓዊ እዩ ዘሎኪ” ትብለኒ ኔራ። ዜና ቃልኪዳን ማላላ፡ ብኦንላይን ምትሕልላፉን ኣሽሓት ናይ እንኳዕ ሓጎሰኪ መልእኽታት ከም ዝረኸበን ድማ ተገሊጹ።