ፕረሲደንት እስራኤል: ንመራሒ ማእከላይ ሰልፊ (የሽ ኣቲድ): ያዒር ላፒድ: ሓድሽ መንግስቲ ከቐውም ሓላፍነት ከም ዝሃቦ ተፈሊጡ።
ሃገረ እስራኤል ንዝነውሐ ግዜ ዝመርሐ: ቤንያሚን ናታንያሁ: መንግስቲ ዘቚመሉ ናይ ግዜ ገደብ ብምሕላፉ: ፕረሲደንት እታ ሃገር: ንሚስተር ላፒድ: ሓድሽ መንግስቲ ንኸቕውም ምሉእ ሓላፍነት ከም ዝሃቦ ገሊጹ’ሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ዘይዛዛሚ ምርጫ: ሰልፊ የሽ ኣቲድ ንሰልፊ ሊኩድ ስዒባ ዝበዝሐ ድምጺ መረጽቲ ረኺባ ምንባራ ዝዝከር እዩ።
ላፒድ ኣብ መንጐ ሰልፊታት ንዘሎ ጋግ ስነሓሳብ: ናይ ምጽባብ ዓብዪ ብድሆ ይጽበዮ ምህላዉ ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ ኣለዉ። ኣብቲ 120 መናብር ዘለዎ: ባይቶ ክነሰት: ዝበዝሐ ድምጺ ኣብ ምርካብ እንድሕሪ ዘይተዓዊቱ: እስራኤል ኣብ ክልተ ዓመት ንሓምሻይ ግዜኣ ምርጫ ክትገብር ክትግደድ ከም እትኽእል ድማ ተገሊጹ።