ብመንገዲ ተሌቪዥን ሽወደን ኣቢሉ ትካል ኖቨስ ድሕሪ ዘካየዶ ሓድሽ ዳህሳስ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቪን፡ ኣብ ቅንያት ሓድሽ ዓመት ድሕሪ ዝወረዶ ነቐፌታ እውን ተመራጺነቱ ዛጊት ኣይተጸልወን ዘሎ። በዚ ድማ 36% ብምርካብ ካብ ኣባላት መንግስቲ ዛጊት ዝለዓለ ተኣማንነት ዘለዎ ሰብ ምዃኑን ምስ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ዝነበረ ቁጽሪ ክነጻጸር እንከሎ፡ ተኣማንነቱ ብ 1% ምውሳኹ ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ።
በዓል መዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ቀይድታት ኮሮና ኣመሓላሊፉ’ኳ እንተነበረ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ስቴፋን ሎቪን፡ ኣብ ቅንያት ሓድሽ ዓመት፡ ክሪስትማስ፡ ኣብ ዕዳጋታት ስቶክሆሎም፡ ንበዓልቲ ቤቱ ዝኸውን ህያብ ኣብ ዝሽምተሉ ዝነበረ እዋን፡ ብሰባት፡ ምስ ተራእየ፡ ነቐፌታታት ከምዝዘርነቦ ይዝከር።
ተመሳሳሊ ተግባራት ብምፍጻሙ እተነቕፈ ሚኒስተር ፍትሕን ኢሚግሬሽንን፡ ሞርጋን ጆሃንሰን፡ ተኣማንነቱ ካብ 18% ናብ 14% ምንቁልቋሉ እቲ ዳህሳስ ሓቢሩ። ብኻልእ ሸነኽ፡ ናይ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጒዳያት፡ ሊና ሃሊንግሪን፡ ተኣማንነት ልዑል ወሰኽ ብምርኣዩ፡ ካብቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ዝነበረ ቁጽሪ፡ 19%፡ ኣብ ወርሓ ጥሪ ናብ 29% ምውሳኹ ተገሊጹ።
ኣብዚ ካብ 14 ክሳብ 20 ጥሪ 2021 ዝተኻየደ ዳህሳስ፡ ቃለመሕትት ምስ 1056 ብወዝቢ እተሓርዩን ዕድሜኦም ካብ 18-79 ዝኾኑ ሰባት ዝተኻየደ እዩ። ኣብዚ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ሽወደናውያን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ብኸመይ ከም ዝሓስቡ ስእሊ ይህብ እዩ ተባሂሉ ከም ዝሕሰብ እውን ተገሊጹ።