ሎሚ ካብ ዝካየዱ ጸወታታት ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ፡ ማን ሲቲ ኣብ ሜዳኣ ኢትሓድ ምስ ቸልሲ እተካይዶ ብኣጋኡ ኣቓልቦ ረኺቡ ኣሎ። ብመራሒት ውድድር ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ሊቨርፑል ድሕሪ ዝወረዳ ስዕረት ናብ ራብዓይ ተርታ ዝወረደት ማን ሲቲ፡ ሓላዊ ልዳታ ኤደርሰን ብቕድሚ ትማሊ ናብ ልምምድ ምምላሱን ሎሚ ድማ ክስለፍ ከምዝኽእልን ክለቡ ተፍልጥ። ይኹን እምበር፡ ሲቲ ንተጻዋታያ በርናንዶ ሲልቫ ብመቕጻዕቲ ከምእትኸስሮ ተረጋጊጹ ኣሎ።
ብወገን ቸልሲ፡ ካሉም ሁደሰንኦዶይ ብሰንኪ ምጭብባጥ ጭዋዳ ሎሚ ናይ ምስላፉ ተኽእሎ ኣብ ምልክት ሕቶ ምእታዉ ይግለጽ ኣሎ። እንተ ጆርጂኖ፡ መቕጻዕቱ ፈጺሙ ኣብ ሜዳ ኢትሓድ እጃሙ ከበርክት ከምዝኽእል ቢቢሲ ትማሊ ኣማስያኣ ትገልጽ። ብተመሳሳሊ፡ ክርስትያን ፑሊሲች እውን ካብ ማህሰይቱ ናብ ጸወታ ተመሊሱ ምህላዉ ይንገር። ብመንእሰያት ተጻወትታ ገስጋስ ተርኢ ዘላ ቸልሲ፡ ካብ 12 ጸወታታት 26 ነጥቢ ብምውህላል ሳልሳይ ተርታ ክትስራዕ እንከላ፡ ማን ሲቲ ከኣ ድሕሪ 14 ኣዋርሕ ዝተሓተ ደረጃ ሒዛ ንቸልሲ ከተአንግዳ እያ።