ዝተበላሸወ ( ዝተበከለ) መግቢ ወይ መስተ እንተዳኣ ወሲድካ መብዛሕትኡ ግዜ ተምላስ ይገብረልካ ። ከምኡውን ብባክተሪያታት ዝተለኽፈ መግብታት ውን ተንምላስ ከምጽኣልካ ይኽእል ኢዩ ። ተምላስ ኣብ እተምልሰሉ ግዜ እቲ ኣቀዲምካ ወሲድካዮ ዝነበርካ መግቢ ወይ መስተ ከምኡውን ብተወሳኺ ካብ ጨጎራኻ ኣሲድ (መጺጽ) ነገር ብሓንሳብ ኣኪብካ ንደገ ተውጽኦ (ትተፍኦ ) ። መብዛሕትኡ ግዜ ግን ተምላስ ቅድሚ ምምላስካ ብዕግርግር ኣቢሉ ኢዩ ዝጅምረካ ። ብተወሳኺ ርሃጽ ይገብረልካን ነብስኻ እውን ጸማልያ ይመስል ። ተምላስ መብዛሕትኡ ግዜ ብገዛእ ርእሱ ኢዩ ዘቋርጽ ።
መብዛሕትኡ ግዜ ተምላስ እንተድኣ ኣለካ ናብ ሓኪም ምኻድ ኣገዳስነት የብሉን ።
መዓስ ኢኻ ናይ ግድን ናብ ሓኪም ክትከዪድ ዘለካ ?
1 ብርእስኻ ወዲቕኻ ቀጻሊ ዝኾነ ተምላስ ምስ ዝህልወካ ።
2 ብርቱዕ ዝኾነ ቅርጸት ከብዲ ምስ ዝህልወካ ።
3 ጽርውርው ምስ ዘብለካ ወይ ነስስኻ ምቁጽጻር ምስ ዝኣብየካ ።
4 ካብ 3 ክሳብ 4 መዓልታት ንላዕሊ ዝጸንሐ ተምላስ ምስ ዝህልወካ ።
5 ሙሉእ መዓልቲ ብዘይ ዕረፍቲ ምስ ዘምልሰካ ።
ንስኻ/ኺ ብገዛእ ርእስኻ/ኺ እንታይ ክትገብር ኣለካ ?
• ብዙሕ ፈሳሲ ውሰድ ። ብተደጋጋሚ ተምላስ ዝገብረልካ እንተድኣ ኮይኑ ኣብ ነፍስ ወከፍ 5 ክሳብ 10 ደቃይቕ ቀቅሩብ ጌርካ ፈሳሲ ክትወስድ ኣለካ ።
• ዝኮነ ዓይነት መድሃኒት ክትወሰድ የብልካን ።1
ምንጪ: Eritreeërs Gezond