ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ፡ ንጉዳይ ናይዚ ዓመት ናይ ትምህርቲ ግዜ ዝምልከት፡ ካብ ቤት ትምህርታት ዝረኸብዎ ሓበሬታ ውሑድን ምስ ምቕጻል ቅልውላው ለበዳ ኮሮና፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ክንምለስ ዘኽእል ኩነታት ውሕስነት ዘይብሉ ምዃኑን ክብሉ ቅሬቶኦም ከምዝገለጹ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።
ናብ ቤት ትምህርትና ተመሊስና ዲና ትምህርትና ክንጅምር ወይስ ካብ ገዛ ኢና ክንመሃር ንፈልጦ ነገር የለን ክትብል ኣብ ከተማ ስቶክሆሎም፡ ዕረፍታ ተሕልፍ ዘላ፡ ተቐማጢት ኢስክልስቱና ዝኾነት ሞዋ ያጊዝ ሻቕሎታ ትገልጽ።
ናይ ትምህርቲ ኣውቶቡስ፡ ብሓባር ዲና ክንጓዓዘላ ወይስ ንምኻድ ወይ ንምምላስ ጥራይ፡ ኣብ ክፍሊ’ኸ ብሓንሳብ ዲና ኮፍ ክንብል ወይስ ካልእ ኣገባብ ክህሉ እዩ ክትብል ኣብ ጎትላንድ፡ ተማሃሪት ካልኣይ ደረጃ፡ ዝኾነት ንዋ ሃካንሰን ንስክፍታት ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ዝውክል ዘረባ ኣመሓላሊፋ።