ቻይናን ኣመሪካን ሓዲሽ ማዕበል ኮሮና ከም እተራእየንን እዚ ድማ ዓለምለኻዊ ፍርሂ ፈጢሩ ምህላዉ እንተኾነ ግና ተመራመርቲ ሽወደን ካልኣይ ማዕበል ናይዚ ሕማም ከም ዘይክሰት ምርግጋጾም ሬድዮ ሽወደን ሎሚ ሓቢሩ።
ኣብ ቤይጂን ዳግማይ ለበዳ ኮሮና ምስ ተራእየ፡ ሰብ መዚ ቤይጂን ዳግማይ ኣብ ብዙሓት ናይ መንበሪ ነቑጣታት ናይ ውሸባ ኣገባብ ንኽእውጁን ምግዳዱ ዝፍለጥ እዩ። በዚ ድማ ካልኣይ ማዕበል እዚ ሕማም ተኸሲቱ ከይከውን ዝብል ስግኣት ኣብ ቤይጂጋውያን ዓብሊሉ ምህላዉ ጸብጻብ ወኪል ኤኮት ካብ ቻይና ሓቢሩ።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ኦፕሳላ ተመራማሪ ቫይረስ ዝኾነ ቦርን ኦልሰን፡ “ናይ ዓባይ ሰዓል ለበዳ ካልኣይ ማዕበል ናይ ምቕልቃል ባህሪ ኣለዎ፥ እኳ ደኣ ኣብቲ ካልኣይ ማዕበል እዩ ዝያዳ ዕንወት ዘኸትል፡ እንተኾነ ግና ኮሮና ዝተፈልየ ቫይረስ እዩ” ክብል ተዛሪቡ።
“እዚ ቫይረስ ካብ ናይ ዓባይ ሰዓል ቫይረስ እተፈልየ ምዃኑ እየ ኣረጋጊጸ” ክብል ድማ ኣስሚሩሉ።
ሓደስቲ ማዕበላት ዋላ ኣይሃልዉ ሓደስቲ ሕሙማት ግና ክቕጽሉ እዮም። ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ምዕራባዊ ሕብረተሰብ ገና ቅድሚ ምምዕባሉ እዚ ቫይረስ ከስፋሕፍሕ ይኽእል እዩ ዝበለ ድማ ካብ ዮኒቨርስቲ ኦሬብሮ ፕሮፌሰር ጆናስ ሉድቪሶን እዩ።
“እዚ ቫይረስ መታተሊ እዩ። ከም ባርዕ ጫካ ብታሕቲ ታሕቲ ኣብዝን ኣብትን ጥራይ ክረአ ይክእል እዩ። ስለዚ ድማ ብጥብቂ ዝከታተሎን ኣብቲ ናይ ጫካ ባርዕ ብቕልጡፍ ኮቦርታ ደርብዮም ነቲ ባርዕ ዝዓብጥ ኣገባብ ክህክወና ኣለዎ” ክብል ካብ ካሮለኒስካ ዩኒቨርስቲ ፕሮፈሰር ዮሃን ሽሬፕ ብምምስሳል ገሊጹ።