ዝበዝሑ ኮተቴ ተመሃሮ፥ ኣብ ክላስ ብዙሕ ወጥሪ ይስምዕም ምህላዉ፡ ናይ ትምህርቲ ግዜ ጨሪሶም ይሕጎስሉ ዘይምህላዎም
ኣመልኪቶም ጥርዓን ምቕራቦም “ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና” ሽወደን ገሊጹ። እቲ ኤጀንሲ ኣብ ኣረርባዕተ ዓመት ከምዚ ዝበለ
ዳህሳስ ከም ዘካይድ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ኣብ እዋን ትምህርቲ ኣብ ኮተቴ ወጥሪን ጭንቀትን ምብዛሕ ከም ሓደ ተርእዮ ይምዕብል
ምህላዉ ገሊጹ’ሎ። ኩነታት መነባብሮን ምልዋጥ ቅዲ ህይወትን፥ ንህጻናትን ኮተቴን ብኣሉታ ይጸልዎም ኣሎ ዝብል ሻቕላ
ምህላዉ፥ እቲ ኤጀንሲ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። ከባቢ 11፣ 13ን 15ን ዝዕድሜኦም ኣስታት 40 ሽሕ ኮተቴ ኣብዚ መጽናዕቲ
ዝተሳተፉ ኮይኖም፥ ኣብ ኩሉ ክሊ ዕድመ ዘለዉ ተመሃሮ ውጥረት ከም ዝስምዖምን ናይ ድቃስ ሽግር ከም ዘለዎምን እቲ ኤጀንሲ
ኣጣሊሉ’ሎ። ዕድሜኦም ካብ 11-14 ኣብ ዝኾኑ ኮተቴ፥ ኣዋልድ 9% ኣወዳት ከኣ 13% ጥራይ ግዜ ትምህርቲ ከም ዝሕጎሱሉ
ነቲ ኤጀንሲ ገሊጾምሉ ኣለዉ። ካብ 1985 ኣትሒዙ ተመሳሳሊ ዳህሳስ ከካይድ ዝጸንሐ እቲ ኤጀንሲ፡ እዚ ናይ ሕጂ ዝወሓደ ቊጽሪ
ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ።
እንተኾነ ግና፥ ቆልዑ ብዛዕባ ዘሕልፍዎ ዝለዉ ኲነታት ምስ ወለዶም ይዘራረቡ ምህላዎም፥ ጽቡቕ ጎድኒ እዚ ተርእዮ እዩ
ክትብል፥ ኣብቲ ኤጀንሲ ኣካያዲት መጽናዕቲ ፐትራ ሌትስተድ ኣመልኪታ’ላ።