ዳርጋ ፍርቂ ካብ መማህራን ኮሌጅን ዩኒቨርሲቲን ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ተመሃሮ ሽወደን ዝተሓተ ናይ ምጽሓፍ ክእለት ከም ዘለዎም ሓድሽ ዳህሳስ ኣመልኪቱ ክብል ኣገልግሎት ዜና SVT ሓቢሩ።
ኣብ ምጽሓፍ ዝተሓተ ብቕዓት ዘለዎ ሰብ፡ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድሉ ከም ዝጽሎ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፡ በዚ ምኽንያት ኣዝዮም ብርክት ዝበሉ ኣካየድቲ ስራሕ ሽወደን መንእሰያት ተመሃሮ ምቑጻር ከም ዘይደልዩ ገሊጹ። እቶም መንእሰያት፡ ኻልእ ብቕዓቶም ዘየተሓታትት እንተኾነ፡ ናይ ምጽሓፍ ብቕዓቶም ብምትሓቱ ተደላይነቶም ኣመና ከም ዝነክዮ ድማ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ዛጊት 12% ካብ ኣካየድቲ ስራሕ፡ በዚ ምኽንያት ደለይቲ ስራሕ ክነጽጒ እንከለዉ፡ 35% ድማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብኸምዚ ምኽንያት መንእሰያት ካብ ስራሕ ምብራሮም ገሊጾም ኣለዉ።
እዚ ብሬድዮ ትምህርቲ ዝተቃልሐ፡ ብኖቩስ እተገበረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ 1000 ዝኾኑ ኣካየድቲ ስራሕ ብሰንኪ እኹል ናይ ምጽሓፍ ክእለት ዘይብሎም ሰራሕተኛታት ምቑጻሮም ንክሳራ ከም እተቓልዑን ግጉይ መድሃኒት ክሳብ ምእዛዝ ዝኸይድ ዘተሓሳስብ ምህጻጽ ይኽሰት ምህላዉ ኣመልኪቶም።
“ናይ 90ታት ወለዶ ብሓፈሻ ብዛዕባ ምጽሓፍ ጽቡቕ ፍልጠት ኔርዎም፡ እዞም ድሕሪ 2000 ዝተወልዱ ግና ፍልጠት ጐደሎ እዮም” ክብል ዳይረክተር ትራንስኮም፡ ቶማስ ያንግቢን፡ ገሊጹ።
ኣብ ፖሊስ ዝቑጸሩ እውን እንተኾነ፡ ብጽሑፍ ሓሳባቶም ናይ ምግላጽ ክእለቶም ዝደኸመ መንእሰያት ክቚጸሩ ምጽንሖም ከም ኣብነት ቀሪቡ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ናይ ፖሊስ ግድነታዊ መእተዊ መርመራ ድሕሪ ምትራፉ እውን ምዃኑ ድማ ተሰሚሩሉ።
ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ምዝዛም፡ ናብ ሓይልታት ፖሊስ ንኽትቁጸር፡ እኹል እዩ ዝብል እምነት ኔሩና፡ ሕጂ ግና ሓሳብና ክንቅይር ከድልየና እዩ ክብል ኣብ ኣካዳሚ ፖሊስ ንመምህርነት ዝሰርሕ ፒር ኤስዦርንሰን ሓቢሩ።
እዚ ሽግር ምጽሓፍ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ክኽሰት ዝጀመረ እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብቶም ሽወደንኛ ከም ቀዳማይ ቋንቋኦም ዝዛረቡ መንእሰያት፡ እዚ ምኽሳቱ ብምኽንያት ምድጅታል ትምህርቲ ክኸውን ከም ዝኽእል መምህር ቋንቋ ሽወደን ፊሊፓ ማነርሃይም ትገልጽ። ተመሃሮ ኣብ ክንዲ ባዕላቶም ዝጽሕፉ፡ በተን ዝጥቀሙለን ኮምፕዩተራት እሩም ኣጻሕፋ ስለ ዝግበረሎም እዚ ሳዕቤን ክመጽእ ምኽኣሉ ድሕሪ ምሕባር፡ ካብ ሎሚ ኣትሒዝና ተመሃሮ ብግቡእ ከንብቡን ክጽሕፉን ምግባር ከድልየና እዩ ክትብል መልእኽታ ኣመሓላሊፋ።