ኣብ ዝሰፍሐ ክፋል ሽወደን ንሕክምና ኣስናን መስርዕ ምሓዝ ክህሉ ከም ዝኽእል፥ በዚ ድማ ክሊኒካት ን ህጻናት ክንክን ኣስናን
ክህባ ግዜ ከም ዘይህልውን፥ በዓልመዚ ክንክን ጥዕና ኣስናን–“ፎኽታንቮደን” ኣተሓሳሲቡ። ኣብ 7 ካብ 21 ዞባታት ሽወደን፥
ተሓከምቲ ጥዕና ኣስናኖም ንምምርማር ንዓመታት መስርዕ ሒዞም ክጽበዩ ከድልዮም እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ዝተኸስተሉ
ምኽንያት ሕጽረት ስታፍ እዩ ክብል፥ ‘ማሕበር ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ኣስናን ሽወደን” ሓቢሩ’ሎ። “ፎኽታንቮደን”
ዕድሜኦም ክሳብ 23 ንዘለዉ መንእሰያት ቆልዑን ኮተቴን ሓላፍነት ክንክን ኣስናን ከም ዝወስድ ዝፍለጥ እዩ።
“እዚ ኲነታት ዘተሓሳስብ እዩ” ዝበለት ኣደመንበር እቲ ማሕበር ጊነላ ስታንሆል “ቆልዑ ኣብዚ ግዜዚ ጥዕና ኣስናኖም ክምርምሩ
እንተዘጌርና፡ ኣብ መጻኢ ኣስናንኖም ክበላሾን ዝያዳ ክንክን ዝሓትትን ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ” ክትብል ወሲኻ ገሊጻ’ላ። ኣብ ዞባ
ኖርተንቦተን ሓላፊት “ፎክታንቮደን” ማርያ ፓተሰን ብወገና፥ እዚ ሽግር ንምፍታሕ ዝሓሸ ኣካውና ገንዘብ ክህሉ ኣገዳሲ ምዃኑ
ሓቢራ።
ንሳ “ዘሎና ጸጋ ገንዘባዊ ሃብቲ ኣብ ከመይ ነውዕሎ ኣሎና ኣብ ዝብል ዝሓሸ ኣታሕዛ ከድልየና እዩ” ኢላ’ላ።