ኣፍራይ መኪና ቮልቮ ፍርቂ ሚልዮን ንዝኾና መካይን መሊሱ ጽገና ከካይደለን እዩ ይበሃል ኣሎ። ኣፈኛ እቲ ኲባንያ ብሰንበት ን Desutsche Orease Agentur dpa ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እዚ ጽገና ክፋል ሞተር ንምስጣም ኣገዳሲ ኮይኑ ረኺብናዮ ኣሎና ኢሉ።
እዚ ጽገና ሞተር ንኸይርስንን ከይቃጸልን ዝሕግዝ ምዃኑ እዪ ኣፈኛ ሓቢሩ’ሎ። እቲ ኲባንያ ኣብ ሰባት ወይ ንብረት ወሪዱ እንተኾይኑ ዝሃበቶ ሓበሬታ የለን። ዛጊት 54 ሽሕ መካይን ካብ ጀርመን ተሳሒበን ክጽገና ምዃነን ግና ጸብጺቡ’ሎ።