ኩባንያ መፍረ ኣውቶቡሳት ቮልቮ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ 157 ኣውቶቡሳት ንምስራሕ ምስ ኣህጉራዊት ኩባንያ Transdev ውዕል ከቲማ። እዚ ውዕል ሓደ ካብቶም ኣብ ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝዓበዩ ናይ ኤሌክትሪክ ኣውቶቡሳት ምፍራይ ስምምዓት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮይኑ ኣከባብያዊ ጉድኣት ከምዘይብሉን ኣብቲ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢረን።
እዚ ውዕል’ዚ ሎሚ ሰሉስ ምስ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለምና ዝዓበያ ናይ መጓዓዝያ ኩባንያታት ዝኾነት ኩባንያ ዝተገብረ ስምምዕ ምዃኑን እዛ ኩባንያ ኣብ 11 ሃገራት ጨናፍር ከምዘለዋን ሓደ ካብ ጨናፍራ ድማ ኣብ ሽወደን ዝተደኮነ እዩ። እዚ ውዕል ብምኽታሙ ሕጉስ ምዃኑ ዋና ኣካያዲ ኩባንያ ቮልቮ፡ ሃካን ኣግኒቫል ገሊጹ። ብምቕጻል፡ እተን 157 ኣውቶቡሳት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2020 ክርከባ ምዃነን ብተወሳኺ ገሊጹ። ምፍራይ ናይዘን ኣውቶቡሳት ኣብ ሽወደን ዘይኮነ ኣብ ፖላንድ ዝርከብ ፋብሪካ ቮልቮ ከምዝፍጸም ሓቢሩ።
እዚ ተኸቲሙ ዘሎ ስምምዕ ኣብ ልዕሊ ቀጻልነት ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣወንታዊ ጽልዋ ክህልዎን ንናይ መጻኢ ምዕባለታት ዝእንፍቱ ሓደስቲ ዕድላት ዝፈጥርን ክኸውን ክልቲኦም ወገናት ምንዮቶም ገሊጾም።