ምስ ህሉው ልዑል ጠለብ ጸዓት ኤለትሪክ፡ ብመንግስቲ ዝውነን ኲባንያ “ቫተንፎል”፥ ኣብ ኣርባዕተ ቦታታት ሽወደን ናይ “ሃይድሮ-
ኤለትሪክ” መደብራት ክተክል መደብ ከም ዘለዎ ሓቢሩ። እዚ ኲባንያ ንውጽኢታውነት ናይተን ክሳብ ሕጂ ኣብ ሰሜናዊ ሽወደን
ዝዓያ ዘለዋ መደብራት “ኡሜ” ን “ሉለ” ን ክውስኽ ድሌት ከም ዘለዎ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። መንግስቲ ነዚ ተበግሶ ብሓጎስ ከም
ዝቕበሎ ክገልጽ እንከሎ፡ ኣባል ሰልፊ ሊበራል ዝኾነት ሚኒስተር ኣከባቢ ሮሚና ፑርሞክታሪ፥ ካብ ፎሲል (fossil) ናጻ ዝኾነ
ምንጪ ጸዓት ከም ዘድሊ ብምግላጽ፥ ደገፋ ገሊጻ’ላ።
እዚ ጸዓት ናይ ምስፋሕ ስራሕ ፍቓድ ንኽረክብ፥ ንውሕ ዝበለ ግዜ ክወስድ ዝኽእል እዩ። ሓደ ካብዞም ፕሮጀክቲታት ኣብ 2026
ን ኣገልግሎት ክበቅዕ ይኽእል እዩ ዝበለት ሬድዮ ሽወደን፥ እቶም ዝተረፉ እንተቐልጠፈ፥ ኣብ 2031 ብ ኦንላይን ክቕረቡ እዮም
ክትብል፥ ወሲኻ ኣመልኪታ።