ኣብ ቨስትላንድ፡ ኣብ ልዕሊ ወዲ 13 ዓመት ተመሃራይ ህጻን ዓሌታዊ ጸርፊ ዘዘውተረ ሰብኣይ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ነሓሰ ናብ ቤት ፍሪ ክቐርብ እዩ– ክትብል ጋዜጣ በርገንስ ቴንድ ጸብጺባ።
ደቂ ተኸሳሲ ንባዕላቶም፡ ካብ ሕዳጣን ጒጅለታት ዝውለዱ ብምዃኖም ከምዚ ዝበለ ዓሌታዊ ቃላት ክጥቀም ኣይክእልን እዩ ኢሉ ከም ዝኣምን ጠበቓ ተኸሳሲ ገሊጹ’ሎ።
ደቂ ተኸሳሲ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንኻልኦት ቆልዑ ከም ዘሰራጥዩ ድሕሪ ምቅልዑ፡ ኣመሓዳሪ እቲ ካውንቲ ናይ መርመራ ፋይል ምኽፋቱን፡ እቲ ቤት ትምህርቲ እውን ብርቱዕ ነቐፌታ ከም ዝወረዶን እታ ጋዜጣ ወሲኻ ጸብጺባ’ላ።