ቅድሚ ቅልውላው ኮሮና ቫይረስ፡ ኣስታት 100 ሽሕ ሕሙማት ሞያዊ ኣገልግሎት ንክረኽቡ ሪጋ ሒዞም ከምዝነበሩ ይዝከር። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣስታት 70 ሽሕ ናይ መጥባሕቲ ቆጸራታት ከምተሰረዙ ወይ ድማ ከምዝተሰጋገሩ ተፈሊጡ ኣሎ። ሪጋ ናይ ተታሒዙ ዝነበረ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ምስራዙ ንምምሕዳራት ልዕሊ ዓቕመን ምዃኑን ቅልውላው ኮሮና ቫይረስ ነተን ኣብቲ ምምሕዳር ዝርከባ ቤት ምኽሪ ኣሃዱ ጥዕና ድማ ናይ ሞት ድምጺ ደወል ክኾነን ከምዝኽእል ሓላፊት ሰልፊ ክርስቲያን ዲሞክራት፡ ኢባ ቦሽ፡ ምስ ሲድስቨንስካ (Sydsvenskan) ኣብ ዝገበረቶ ቃለ ምሕተት ገሊጻ።
ምምሕዳርን ቤት ምኽሪ ኣሃዱ ጥዕናን እቶም ዝሓመቑ ወሃብቲ ስራሕ ብምዃኖም ንሕሙማት ይኹን ንኣባላት ዘይጠቕሙ እዮም። መንግስቲ ሽወደን ምሉእ ሓላፍነት ኣሃዱ ጥዕና ንኽስከም ግዚኡ ሕጂ እዩ ክትብል ቦሽ ኣብ መግለጺኣ ወሲኻ።
ሰልፊ ክርስትያን ዲሞክራት፡ ብመንገዲ መንግስታውያን ክኢላታት ኣቢሉ ኣብ ኣሃዱ ጥዕና ክግበሩ ዝኽእሉ ቀወምቲ ለውጥታት ከናድን ከምኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ምምሕዳራት ተንጥልጢሉ ዘሎ ሕክምናዊ ዕዳታት ንምኽፋል ሓገዛት ምንዳይ ድሌት ከምዘለዎ ሓቢራ።
ኣብ ምምሕዳራት ዘለዋ ኣሃዱታት ጥዕና፡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን፡ መሻርኽቲ ዝኾኑወን ኣካላት ከናድያ ይግበአን። ቁጽሪ ኣባላት ኣሃዱ ጥዕና ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳ ኣንቆልቆለ ይኸይድ ኣሎ። ኣባላት ኣሃዱ ጥዕና ዝነበሩ’ሞ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ካልኦት ኢንዱስትሪታት ዝሰርሑ ዘለዉ ናብቲ ዝነበርዎ ኣሃዱ ጥዕና ንኽምለሱ ሰሓብቲ ዝኾኑ ለውጥታት ክግበር ከምዝግባእ ኣብ መወዳእታ ዘረባኣ፡ ቦሽ፡ ኣዘኻኺራ።