ብሰንኪ ምንጻል ጥንሲ ካብ ዝሓሰበቶ ጉዕዞ ብምስንኻላ፡ ናይ ጉዕዞ ካሕሳኣ ክምለሰላ ከም ዘይክእል ንዝተሓበራ ሰበይቲ፡ ቦርድ ህዝባዊ ጥርዓን (ARN)፡ ነቲ ውሳኔ ከምዘይተቐበሎ ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ።
ቤት ጽሕፈት መድሕን ጉዕዞ፡ ብሰንኪ ሕርስን ጥንስን ዝግበር ናይ መገሻ ምስራዝ፡ ዝኾነ ዓይነት መሰል ካሕሳ የብሉን ኢሉ ከነጽር እንከሎ፡ ቦርድ ጥርዓናት ግን ነዚ ውሳነ ብምንጻግ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ጾታዊ ኣድልዎ ዝገብር ውሳነ እዩ ክብል ገሊጽዎ።
እዚ ረቛሒ፡ ኣብ ፍሉይ ጾታ ዘጋጥም ጸገማት ዕላማ ዝገበረ እዩ። እዚ ድማ ምስ ሓፈሻዊ መንፈስ ሕጊ ኣንጻር ኣድልዎ ዘይቃዶ እዩ ክብል ፕረሲደንት እቲ ቆንስላ ማርኩስ ኤሰግሪን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብ ለካቲት 2019፡ እዛ ሰበይቲ ንቬትናም ሓሲባቶ ዝነበረት ንምፍጻም ናይ ጉዕዞን ናይ ጉዕዞ ኢንሹራንስን ክፍሊት ብካርድ ከፊላ ድሕሪ ምውዳኣ ብሃንደበት ዘጋጠማ ምንጻል ጥንሲ ምኽንያት ብምግባር መዲባቶ ዝነበረት ጉዕዞ ከምዝሰረዘት ተገሊጹ።