ብሰሉስ ወነንቲ ብርኪ ናይቲ ኣብ ሽወደን ዝዓበየ ኲባንያ ዝኾነ ኲባንያ ተለኮም –ኤሪክሰን–ን ቦርድን ኣካያዲ ስራሕን ኣብ
ዒራቕ ብዝተኸስተ ናይ ብልሽውና ቅለት ምኽንያት ብምግባር እገዳ ከም ዝገበረሎም ተፈሊጡ። ወነንቲ ብርኪ –ኤሪክሰን–ን
ቦርድን ኣካያዲ ስራሕን ሓላፍነት ክወስዱ ኣይግባእን ብምባል ኣድሚጾም እቲ ቦርድ ዳግማይ ክምረጽ ከም እተገብረ ሬድዮ ሽወደን
ጽብጺባ።
"እቲ ዝዓበየ ሕቶ ሰብመዚ ኣመሪካኸ እንታይ እዮም ክውስኑ እንታይ ስጒምቲ እዮምከ ክወስዱ ዝብል እዩ” ክትብል ተንታኒት
ቊጠባ ካትሪና ኤስትሮም ነታ ሬድዮ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ገሊጻ’ላ።