ኣብ ዒራቕ ብግብረሽበራዊ ውድብ ዳዕሽ እተፈጸሙ ገበናት ንምምርማር ዘኽእል ጭብጥታት ንምእካብ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፥ ሽወደን
ልዕሊ 21 ሚልዮን ክሮና ሓገዝ ክትህብ እያ። ብ ግብረሽበራዊ ውድብ ዳዕሽ ኣብ ዒራቕ እተፈጸሙ ገበናት ኣመልኪቱ፥
ብሚልዮናት ዝቚጸር ሰነዳት ናብ ዲጂታላዊ ዳታ ዝቕይር ዘሎ፥ ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ Unitad ኮይኑ፡ እዚ ገንዘብ
ብቐጥታ ናብቲ ውድብ ኣታዊ ዝኸውን እዩ።
እዚ መርትዖታት፥ ኣማስያኡ ዳዕሽ ኣብ ዒራቕን ካልእ ሃገራትን ዝፈጸሞ ገበናት ብምእካብ ነቲ ውድብ ንምኽሳስ ክውዕል እዩ—
ብመሰረት ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን።