ኣብ ፕሮጀክት ባጀት መንግስቲ ሉፈን ሽቕለት ኣልቦነት ሽወደን ኣብ ኣውሮጳዊ ሕብረት እቲ ዝተሓተ ናይ ምግባር ዕላማኡ ምግዳፉ ተገሊጹ፡ ሎም መዓልቲ ብ ኣልሒክማ ዝቐረበ ባጀት መንግስቲ ነዚ ዕላማ ዘይምጥቃሱ ናይዚ መርኣያ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ሚኒስተር ፋይናንስ ማግዳሊና ኣንደርሰን ናይ ዝሓለፈ ባጀት ብሰልፊታት ዓቃባውያንን ክርስትያናዊ ዴሞክራሲን ድሕሪ ምጽዳቑ እዚ ሸቶ ቅሂሙ ምትራፉ ኸኣ ገሊጻ።
ኣብ 2013 ዋዕላ SPD ቀዳማይ ሚኒስተር ሉፈን ኣብ 2020 ሽቕለት ኣልቦነት ሽወደን ኣብ ኣውሮጳ ዝተሓተ ክገብሮ እየ ኢሉ ምንባሩ ይዝከር። ሽወደን ካብ 28 ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት መበል 22 ዝበዝሐ ሽቕለት ኣልቦነት ዘለዋ ሃገት ተባሂላ ተመዝጊባ’ላ። እዞ ማለት 6 ሚእታዊት ዝበጽሕ ሽቕለት ኣልቦነት ዘሎ ኮይኑ ናብ 6.4 ክብ ክብል እዩ ዝብል ትንበያታት ኣሎ።