መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዘካይዶ ናይ ኤለትሪክ በረራ ቲኬታት ክሓዝእ ምዃኑ ገሊጹ። እዚ በረራ ኣብ
ሽወደን፡ ደንማርክን ኖርወይን ኣብ 2028 እዩ ክካየድ። ብርክት ዝበላ ሃገራት ብ ጸዓት ኤለትሪክ ዝዓያ ነፈርቲ ንምፍራይ ኣብ
መስርሕ ምህላወንን ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ዕላማኡ ድማ በካሊ ጋዝ ናብ ከባቢ ኣየር ዘይፍኑ በረራ ንምስላጥ እዩ።
'ኣብዚ ናይ 2028 ፈለማይ በረራ፥ ሰለስተ መገሻታት ክህልዉና እዮም። ነፍሲ ወከፎም ሰላሳ መናብር፥ ብጠቕላላ ን 90 ሰባት
ከነብርር ኢና” ክብትል ሓላፊት ሚድያ መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ሊንድግረን ካውክቺ ገሊጻ። ነዚ ተሓሲቡ ዘሎ በራር እቲ ልክዕ
መዓልቲ ይዂን፡ ዓይነት ነፈርቲ ገና ኣይተወሰነን። እንተኾነ ግና ኣብዚ ፈላማይ በረራ ብዙሓት ሰባት ተገዳስነት ከሕድሩ ከም
ዝኽእሉ መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ እምንቶ ኣሕዲሩ’ሎ። በዚ ኣቢሉ ድማ እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ውሽጢ ሽወደንን ሃገራት
ኖርዲክን ካብ 2050 ኣትሒዙ ካብ ብከላ ናጻ ዝኾነ በራር ምሃብ ክጅምር መደብ ከም ዘለዎ ገሊጹ’ሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ትሽዓተ ሰባት ዝተሳፈርዋ ተመሳስሊት ነፋሪት ኣብ ስቲት ኦቭ ዋሺንተን (ኣመሪካ) ዕዉት በራር ምክያዳ
ዝዝከር እዩ።
ብ ጸዓት ኤለትሪክ ዝዓዪ ናይ ፈለማ በረራና ዓማዊል ቲኬት ክገዝኡ ኣብ ምትብባዕ ኢና ዘሎና” ክብል ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ።