ብዝሒ ናብ ሽወደን ብምምጻእ ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታትን ዝተወሰኑ ብዝሒ መንበሪ ፍቓድን ኣመልኪቱ፡ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተወስደ ኣገባብ ክኸውን ከምዝኽእል ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ሽወደን ይጽበ። ንዓመተ 2019 ነዞም ከምዚ ዓይነት ጉዳያት ብዝምልከት ክስርሑ ይኽእል’ዩም ተባሂሎም ዝተወጢኑ ኣገባባት ተፈቲኖም ኣብ ግብሪ ድሕሪ ምውዓሎም፡ ኣብዚ ጀሚርናዮ ዘሎና ዓመት ውን ከም መበገሲ ነጥቢ ክንጥቀመሎም ኢና ክብል ሓላፊ ምሕንጻጽ መደባት ኢሚግሬሽን ዝኾነ፡ ሄንሪክ ሆልመር፡ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ። ቅዳሕ ናይቲ ሓበሬታ ናብ ኣልኮምፒስ ከምተዋህበ ድማ ተፈሊጡ። ብዝሒ ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ኣብዚ ዓመት ክዛይድ ከምዝኽእል ገምጋማት ይሕብሩ።
ናብ ኤውሮፓ ክነዝሑ ዝኽእሉ ስደተኛታት ካብቲ ኣብ ዓመተ 2019 ዝነበረ ብዝሒ ብዝያድ ክውስኽ ምዃኑን ብኡ መጠን ድማ ሽወደን ክትጽሎ እያ። ጠንቂ ናይዚ ከምዚ ዓይነት ዋሕዚ ስደተኛታት ድማ እቲ ኣብ ዓለምና ተኸሲቱ ዘሎ ኣህጉራዊ ኩነታት ዘስዓቦ ምዃኑ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ሽወደን ትዕዝብትኡ ገሊጹ። ዋሕዚ ናይቶም ብምብራቓዊ መንገድታት ክሳብ ግሪክ ዘሎ ቦታታት ዝመጹ ስደተኛታትን ኮነ ካብ ደቡብ ኣሜሪካ ንኤውሮፓ ዝስደዱን፡ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ብዝሒ ሎሚ ዓመት ብዝያዳ ክውስኽ ትጽቢት ተገይርሉ ከምዘሎ ሆልመር ገሊጹ። ቁጽሪ ናይቶም ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ካብቲ ኣብ ዓመተ 2019 ዝነበረ ብዝሒ ብሓደ ሽሕ ብምውሳኽ ናብ 23000 ክብ ክብል ከምዝኽእል ቤት ጽሕፈት ኢምግሬሽን ይጽበ።
ዝበዝሑ ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት እቶም ካብ ሶርያ፡ ደቡብ ኣሜሪካ፡ ፍሌስጤምን መንነት ዘይብሎም ስደተኛታት ክኾኑን ከምዝኽእሉ ትጽቢት ይግበር። መንበሪ ፍቓድ ንኽወሃቦም ዝፍቀደሎም ብዝሒ ስደተኛታት ኣብ መጻኢ ብትሑት ዓቐን ክውሕድ ከምዝኽእል ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ይጽበ። መንበሪ ፍቓድ ሓቲቶም እሞ ጉዳዮም ውሳኔ ዘይረኸበ ስደተኛታት ካብ 2021 ጀሚሩ ብዝሖም ብልዑል ዓቐን ክውሕድ ምዃኑ ገምጋማት ሓቢሮም። ብኻልእ ወገን፡ እቲ ንቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ተባሂሉ ዝስላዕ ዝነበረ ዓመታዊ ባጀት ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናጎደለ ይመጽእ ምህላዉ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ትዕዝብትኡ የካፍል። ኣብ ዓመተ 2016 ን 2017 ናይ 50 ቢልዮን ክሮነር ባጀት ተሰሊዑ ከምዝነበረ ይፍለጥ።
ብድሕሪ’ዚ ዓመት ግን እቲ ዝወሃብ ዝነበረ መጠን ባጀት ከንቆልቅል ተራእዩ። ኣብ ዓመተ 2019 እቲ ባጀት 24 ቢልዮን ክሮነር ነይሩ ቀጺሉ ድማ ናብ 16 ቢልዮን ክሮነር ጎዲሉ። ኣብ ዓመተ 2020 እቲ መጠን ገንዘብ ናብ 20 ቢልዮን ክሮነር ክንኪ ከምዝኽእል እቲ ቤት ጽሕፈት ይጽበ። ካብ ዓመተ 2020 ዝጅምር፡ ንቤት ፍርዲ ኢሚግሬሽን ዝያዳ መጠን ገንዘብ ተሰሊዑ ኣሎ። ዓመታዊ ባጀት ናይዘን ቤት ፍርድታት ብ 180 ሚልዮን ክሮነር ክውስኽ ምዃኑ መንግስቲ ገሊጹ። ብዝሒ ናይቶም ኣብ ቤት ፍርድታት ተመዝጊቦም ዘለዉ ጉዳያት ስደተኛታት ንምውሓድ ካብዚ መንግስቲ ወሲንዎ ዘሎ ወሰኽ ገንዘብ ዝያዳ ከምዘድሊ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ርእይትኡ ገሊጹ።