ቁጽሪ ናይቶም ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት፡ ብተኸታታሊ ንኻልኣይ ሰሙን ምጉዳሉ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ዕዮ ሽወደን ሓቢሮም።
ቁጽሪ ስራሕ ኣልቦ ናይ ዝኾኑ ሰባት፡ ካብ ዝሓለፈ ጽድያ ጀሚሩ፡ ብዓቢ ናህሪ ክውስኽ ከምዝጀመረ ይዝከር። ኣብዚ ሕጂ እዋን ቁጽሪ ናይዞም ሰባት 479 ሽሕ በጺሑ ምህላዉ፡ እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚ ሰሙን ዝነበረ ቁጽሪ ብ1 ሽሕ ዝወሓደ እዩ። ቁጽሪ ናይቶም ስራሕ ንምርካብ ዝምዝገቡን ስራሕ ዝቑጸሩ ሰባትን ተመጣጣኒ እዩ ዘሎ። ዕዳጋታት ስራሕ ምምሕያሻት የርእዩ’ኳ እንተሃለዉ፡ እቲ ዘሎ ወድዓዊ ኩነታት ተመሓይሹ እዩ ኢልካ ክትድምድም ኣሸጋርን ግዚኡ ዝቐደመን እዩ። ኩነታት ዕዳጋታት ስራሕ፡ ምስቲ ኣብ ዝቕጽል ቀውዕን ሓጋይን ከጋጥመና ዝኽእል ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ምኽፋት ካልኦት ሃገራትን ዝተመርኮሰ እዩ ክትብል ሓላፊት ክፍሊ ምርምርን መጽናዕትን ቤት ጽሕፈት ዕዮ፡ ኣኒካ ሶንዲን፡ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ ሓቢራ።