ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፡ ብዝሒ ህዝቢ ሽወደን፡ ብ29,953 ከምዝወሰኸ ኣሃዛዊ ጸብጻባት ስታትስቲክስ ሽወደን ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ካብ ዓመተ 2005 ጀሚሩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2020 ዝተሓተ ወሰኽ ብዝሒ ህዝቢ ከምዝተመዝገበ ዝዝከር ኮይኑ፡ ምስቲ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ናይዚ ዓመት ዝተራእየ ወሰኽ ህዝቢ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ 5000 ዝተሓተ ምንባሩ ተገሊጹ።
ኣብ መፋርቕ ናይ ዓመተ 2020፡ ብዝሒ ህዝበኢ ሽወደን 10,409,248 ምንባሩ ይዝከር።
ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2020 ን ወርሒ ጥሪ 2021 ን፡ መጠን ብዝሒ ሞት ዝለዓለ ምንባሩን ከም ቀንዲ ጠንቂ ዝጥቀስ ድማ ለበዳ ኮሮና ከምዝነበረ ይፍለጥ። ኣብ ወርሒ ጥሪ 2021፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ 100 ሽሕ ተቐማጦ ሽወደን፡ ኣስታት 94.8 ሰባት ይሞቱ ከምዝነበሩ ስታትስቲካዊ ጸብጻባት ይሕብሩ። ካብ ወርሒ የካቲት ክሳብ እዚ ሕጂ እዋን ግን፡ እቲ መጠን ብዝሒ ሞት፡ ብሩኡይ ደረጃ ከምዝወሓደ፡ እቶም ጸብጻባት ብምውሳኽ ገሊጾም።