ብዝሒ ተቐማጦ ከተማ ማልመ፡ ልዕሊ 350 ሽሕ ሰባት ብምብጽሑ፡ እቲ መጠን ወሰኽ፡ ምስ ናይ ዮቶቦሪን ስቶክሆልምን ክነጻጸር እንከሎ፡ ዝለዓለ ምዃኑ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ቀንዲ ምኽንያት ምውሳኽ ቁጽሪ ነበርቲ ከተማ ማልመ፡ ብዙሓት ህጻናት ብምውላዶምን ብተወሳኺ ድማ ብዙሓት ሰባት ድማ ኣብታ ከተማ ክነብሩ ብምምራጾም እዩ ክብል እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብ ዓመተ 2020፡ ብዝሒ ናይቶም ኣብዛ ከተማ ዝተወልዱ ህጻናት 4900 ምንባሩ ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ፡ እቲ ቁጽሪ፡ ኣብ ዓመተ 2021 ዝለዓለ ክኸውን ከምዝኽእልን፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 50 ዓመታት እቲ ዝዓበየ ወሰኽ ኮይኑ ክምዝገብ ከምዝኽእልን ኣብ ምምሕዳር ከተማ ማልመ፡ ክኢላ ማሕበራዊ ስትራተጂ፡ ካርል ማክሸን፡ ሓቢሩ።
መብዛሕትኦም ናብ ከተማ ማልመ ዝጓዓዙ ተቐማጦ፡ ካብተን ኣብ ምምሕዳር ስኮነ ዝርከባ ካልኦት ምምሕዳራት ከተማ ዝመጹ ምዃኖም፡ እቲ ጸብጻብ፡ ብምውሳኽ ሓቢሩ።
ኣብ ውሽጢ ከተማ ማልመ፡ ወሰኽ ነበርቲ ዘርእያ ዘለዋ ከባቢታት ቬስትራ ሃምነን (västra hamnen)፡ ሂሊቫንገን (Hyllievång) ከባቢ ወደብ ሊምሃምነን (Limhamn’s port area) እየን።