ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ብ 1939 ዓ/ም’ዩ ተጀሚሩ። ኣብቲ ውግእ’ቲ፡ ሂትለርን ናዚስትን፡ ልዕሊ 5 ሚልዮን ኣይሁድ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ሮመራውያን፡ ኮምዩኒስት፡ ግብረ ሰዶማውያንን ስንኩላንን ኣህሊቖም። ካልኣይ ኲናት ዓለም ምስ ተጀመረ፡ ሽወደን፡ ማእከላይ መርገጺ ከም ዘሎዋ ብኽታማ ኣፍሊጣ። ሽወደን ነቶም ካብ ደንማርክ፡ ኖርወይን ሃገራት ባልቲክን ዝመጹ ስደተኛታት ተቐቢላ። 7,500 ናብ ጀርመን ክለኣኹ ዝነበሮም ደቂ ደንማርክ ዝኾኑ ኣይሁዳውያን’ውን ተቐቢላቶም።
ኣብ እዋን ኲናት ይኹን ብድሕሪኡ፡ ‘ሽወደን ዘርኣየቶ መርገጺ፡ ካብ ሻራነት ናጻ ዝኾነ ንጥፈታት ኣይኮነን ነይሩዋ’ ዝብል ወቐሳ ዘኒቡዋ እዩ። ንኣብነት፡ ናዚስታውያን ብመሬት ሽወደን ኣቢሎም ወተሃደራትን ኣጽዋርን ከሰጋግሩ ኣፍቂዳ።
ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ብዙሓት ሃገራት ብሓባር፡ ካልእ ኲናት ከይለዓል ኢለን ብምሕሳብ “ውድብ ሕቡራት ሃገራት” መስሪተን።
ኤውሮጳ፡ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም
ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ኤውሮጳ፡ ኣብ ክልተ ተኸፊላ። ናብ ምብራቕን ምዕራብን ኤውሮጳ ማለት’ዩ። ምብራቕ ኤውሮጳ ኣብ ትሕቲ ኮምዩኒዝም ኣትያ፡ ዝበዝሐ ሓይላ ድማ ብሕብረት ሶቭየት ይምራሕ ነይሩ።
ምዕራብ ኤውሮጳን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን፡ ዴስነት ኣብ ምዕራብ ኣውሮጳ ከየስፋሕፍሕ ዝከላኸል ብ ‘ሰሜን ኪዳን ኣትላንቲክ ወይ ኔቶ’ ዝፍለጥ ኣካል ኣቚመን። እቲ ኣብ መንጎ ምብራቓውን ምዕራባውን ቀጽርታት ዝተኻየደ ግጭትን ምትፍናናትን፡ ‘ዝሑል ኲናት’ ተባሂሉ ይፍለጥ።
ኣብ 1961 ዓ/ም፡ እቶም ኣብ ትሕቲ ዴሳዊ ረጋጺ ስርዓት ምብራቕ ጀርመን ዝነበሩ ሰባት ምእንቲ ከይሃድሙ ተባሂሉ፡ ብቐጽሪ በርሊን (Berlinmuren) ዝፍለጥ መንደቕ ኣብ ሃገረ ጀርመን ተሃንጸ። ምብራቕ ጀርመን ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ኣብ ትሕቲ ዴሳዊ ስርዓት ብምንባራ፡ ነበርታ ካብቲ ቦታ’ቲ ወጺኦም ናብ ካልእ ክኸዱ ኣይፍቀደሎምን ነይሩ። እቲ ቀጽሪ ቅድሚ ምህናጹ ግን፡ ብዙሓት ሰባት ካብ ምብራቕ በርሊን ናብ ምዕራብ በርሊን ሃዲሞም’ዮም። ቀጽሪ በርሊን፡ ዘይሃስስ ምስክር ናይቲ ዝሑል ኲናት ኣብ ኤውሮጳ ዘስዓቦ ምግምማዕ እዩ። ቀጽሪ በርሊን ክሳብ’ታ ዝፈረሰላ ግዜ፡ ማለት ዓመተ 1989 ክምህ ከይበለ እዩ ጸኒሑ። እዚ ግዜን ኲነታትን እዚ ድማ፡ ምፍራስ ቀጽሪ በርሊን ተባሂሉ ይፍለጥ።